ከም ደላይ ስራሕ ተመዝገብ
ናይ መጀመርያ ናይ ስራሕ ኣልቦነት መዓልቶም የመዝግቡ። ብኤሌክትሮኒክ መለለዪ ብምእታውን ኣካውንት ብምኽፋትን ይጀምሩ። ይእተዉ (Skriv in dig) እሞ ኩሉ ሓበሬታ ይምልኡ፣ ንኣብነት ኣየኖት ዓይነት ስራሕቲ ከም ዝደልዩ፣ እንታይ ዓይነት ልምዲ ከምዘለዎም። ካብኡ ምስ ኤጀንሲ መራኸቢ ስራሕ ትልማዊ ኣኼባ ይቋፀሩ። ንካሕሳ ንምምልካት ንክፍሊት ስራሕ ኣልቦ (a-kassa) የመልክቱ።
መዓስ እየ ክምዝገብ ዘለኒ?
ኣብታ ናይ መጀመርታ ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑላ መዓልቲ ናባና ምምዝጋብ ኣገዳሲ እዩ። ክፍሊት ውሕስነት ስራሕ ኣልቦነት ስራሕ ኣልቦ ካብ ዝኾንሉ መዓልቲ ካሕሳ ናይ ምርካብ መሰሎም ክግምግም ይኽእል። ስራሕ ኣልቦ ቅድሚ ምዃኖም እውን ሓበሬታ ምምላእ ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም። ካብኡ ምዝጋቦም ቅድሚ ምእታዎም ነታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ስራሕ ኣልቦነት ይፀበዩ።
ኣብ ናይ መጀመሪያ መዓልቲ ስራሕ ኣልቦ ኮይኖም ናባና እንትምዝገቡን ንጡፍ ኮይኖም ስራሕ እንትደልዩን ካልእ በዓል ስልጣን ወይከዓ ምምሕዳር ከተማ ካሕሳ ናይ ምርካብ መሰሎም ክግምግም ይኽእል እዩ። ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕስነት ሽወደን (Försäkringskassan)፣ ንኣብነት ናህቶም ናይ ሕማም ረብሓ ዘማልኡ እታዎታት ኤስጂኣይ (SGI)፣ ክውስን ይኽእል እዩ።
ከመይ ጌይረ እየ ዝምዝገብ?
- ምምዝጋብ ቅድሚ ምጅማርካ እቲ ቐዳማይ ስጉምቲ ብኤለትሮኒክ መንነት ኣቲኻ ሕሳብ ምኽፋትን እቲ ናትካ ሐበሬታታን ምምላእ እዩ፡ በቲ ሕሳብ መብዛሕቱኡ ንዓኻ ዘርኢ ጉዳያት ዝሓዘ ኣብ ናተይ ገጽ (Mina sidor) ትረክብ።
- ሕሳብ ምስ ከፈትካ ናብቲ ተመዝገብ (Skriv in dig) ዝብል ኣቲኻ ሓበሬታ ብዛዕባ ትምህርታትካ፣ ናይ ስራሕ ዓለም ተሞኩሮታትካ፣ ክእለታትካ ከምኡ ዉን እቲ ትደልዮ ስራሕ ምላእ፡ ከትምዝገብ ከሎኻ ከይትሃወኽካ እኹል ግዜ ዉሰድ ብዙሕ ሓበሬታ እንድሕሪ ድኣ ሂብካና ብወንና ዝያዳ ብዝቐልጠፈ ንሕግዘካ።
- ኣብ መጨረሻ ምስ ሓደ መራኸብቲ ስራሕ ናይ ዘተ ትልሚ ክትገብር ቆጽራ ሒዝካ እቲ ዝመላእካዮ መዝገብ ስደዶ፡ ምስ ተመዝገብካ ብቐጥታ ይድወለካ ይኸዉን፡ እንድሕሪ ድሮ ሕጂ ኣብዚ ዉሽጢ 3 ወርሓት ስራሕ ክትጅምር ወይ ክትምሃር ፈሊጥካ ኣሎኻ ኾንካ ምሳና ናይ ዘተ ትልሚ ቆጸራ ምግባር ኣየድልየካን እዩ፡ ኣብ ክንድኡ እቲ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ክትጅምር ከሎኻ ካብቲ መዝገብ ብኣዉቶማቲክ ክትወጽእ እንተ ደለኻ ሕቶ ይመጸካ እሞ ሽዑ ምስ መለስካ ንኽትምዝገብ ትሰዶ።
ኩሉ እቲ ዘድሊ ሓበሬታትካ ምስ መላእካን ንኽምዝገብ ፈሪምካ ምስ ሰደድካን ከም ደላይ ስራሕ ከም ዝተመዝገብካ መረጋገጺ ክመጸልካ እዩ።
እንተ ደኣ ናትካ ኮምፕዩተር ወይ ስማርት ፎን ዘይብልካ ናብቲ ናይ ኣገልግሎት ቤት-ጽሕፈት መጺእካ ኮምፕዩተር ክትልቃሕ ትኽእል ኢኻ።
ካብ ኦ-ካሳ ክፍሊት ክወሃበካ ኣመልክት
ስራሕ ኣልቦ እንድሕሪ ኾንካን እሞ ኣባና ምዝጉብ እንድሕሪ ኾንካ ስራሕ ኣብ ተናድየሉ ግዜ ካብ ኣ-ካሳ ናይ ገንዘብ መተካእታ ክምጸካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ፡ ክንደይ ገንዝብ ከም ዝመጸካ ኣብ ቅድሚ ሕጂ ክንደይ ከም ዝሰራሕካን ከምኡ ዉን ኣብ ናይ ኣ-ካሳ ኣባል እንተ ኾንካን ወሳኒ እዩ።
ነቲ ናትካ ኦ-ካሳ ብምውካስ ክፍሊት ክወሃበካ ኣመልክት።ነዚ ንምግባር እቲ ዝቐለለ ኣብ ናይ ኦ-ካሳ መካነ-መርበብ(ዌብሳይት) መንነትካ ብምርግጋጽ(ሎግኢን ብምግባር) ከተካይዶ ትኽእል።
ኣባል ኦ-ካሳ እንተዘይኾይንካ፡ስራሕ-ኣልቦኛ ኣብ ትኾነሉ እዋን፡ኣባል ክትኸውንን መሰረታዊ ክፍሊት ክወሃበካን ተመዝገብ።ኣባል ናይ ሓንቲ ኦ-ካሳ ክትኸውን እንተ ዘይደሊኻ ግን መሰረታዊ ክፍሊት ክወሃበካ ኣብ ኣልፋ-ካሳ ከተመልክት ትልእል።
ቅድሚ እቲ ናይ መደብ ምውጻእ ዝግበር ዝርርብ ተቐራረብ
ክትምዝገብ ከሎኻ ንናይ ዘተ ትልሚ ክትገብር ምስ ሓደ መራኸቢ ስራሕ ቆጸራ ትገብር፡ እንድሕሪ ኣብዚ ዉሽጢ 3 ወርሓት ስራሕ ክትጅምር ወይ ክትምሃር ኾንካ ናይ ዘተ ትልሚ ቆጸራ ምግባር ኣየድልየካን እዩ።